ናብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም።
እንቋዕ ናብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን፡ ናብቲ ላዕለዋይ ሰሜናዊ ዞብ ናይ ጀርመን፣ ኣብ መንጐ ሰሜናዊን ምስራቓውን ባሕሪ ዝርከብ ብደሓን መጻእኩም። ብመጀመርያ ቀስ እንዳበልኩም ናብራኹም ክትጅምሩ ትኽእሉ። ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ዝነብሩ ሰባት ሓልዮት ናይ ሰብ ዘለዎምን ንኹሉ ሰብ ግልጺ ኮይኖም ዝቐርቡን ሰባት ስለዝኾኑ ንዓኹም እውን ንኽተሓባበሩኹም ድሉዋት ኢዮም። በዚ ጽሑፍ እዚ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ጌርና እቲ ኣብ ጀርመን ኣብ መጀመርያ ጊዜ እተሕልፍዎ ህይወት ከመይ ክኸውን ከምዘለዎን ከምኡ'ውን ብቐጻልነት ኣብ ጀርመን ምስእትነብሩ ናይ መጻኢ ህይወትኩም እንታይ ከምስል ከምዘለዎ ዘድሊ ሓበሬታ ክንህበኩም ኢና።